ብሰንኪ ኮቪድ-19 እተትኩም/ክን እንድሕር ስኢንኩም፡ ናይ ካናዳ ናይ ህጹጽ እዋን ግብረመልሲ $2000.00 መልዕሎ ወይ ሓገዝ ክወሃበኩም/ክን ኢዩ።ብቀዋሚ፡ብግዝያዊ ወይ ናይ ገዛእ ርእስኻ ስራሕ ማለት ከም ትክሲስታ ወይ ኡበር ዲካ ትሰርሕ ኔርካ ብዘየገድስ እቲ ሓገዝ ይምልከተኩም/ክን ኢዩ።ካብ ዕለት 06 ሚያዝያ ጀሚርኩም/ክን ከተመልክቱ/ታ ትኽእሉ።
እዚ ናይ ህጹጽ ግዜ ሓገዝ ንኹሉ ካብ መጋቢት 15, 2020 ብ’ኮሮና ቫይረስ ምኽንያት ስራሕ ጠጠው ን’ዝበሉ ይመልከት። እዚ ኸኣ ን’ብግሎም ንዝሰርሑን ናይ ብሕቲ ትካል ዝውንኑን አውን ጉቡኦም’ዩ።